ሻብዓይ ዓመት ስርሒት ፎርቶ ይዝከር

Radio Erena: 21 January 2020

ንለውጢ ዝጠልብ፣ “ስርሒት ፎርቶ” ዝተኻየደሉ ሻብዓይ ዓመቱ ይዝከር ኣሎ።

እዚ ብስዉእ ኮለነል፣ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ዝተመርሐ ናይ 21 ጥሪ 2013 ስርሒት፣ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊትን ክልተ ታንክታቶም ብምሓዝ፣ ኣስመራ፣ ፎርቶ ናብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ብምድያብ፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ቅዋም ክትግበርን ዝጠለበ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ምሉእ መዓልቲ ድሕሪ ዝወሰደ ናይ ምዝርራብ መስርሕ፣ ገለ ካብቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ መራሕቲ፣ ንዝተበገስሉ ዕላማ ብምጥላም፣ ኢዶም ክህቡ ስለዝወሰኑ፣ ገዲም ተገዳላይ፣ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ፣ (ወዲ ዓሊ) ግና ርእሰ ቅትለት ብምፍጻም ተሰዊኡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ለውጢ ዝጠለበ ስርሒት ፎርቶ፣ “እስላማዊ ምንቅስቓስ” ዝብል ጸለም ብምሃብ፣ ምስኡ ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል’ዩ ንዝበሎም 10ታት ሰበ ስልጣኑ ነበረን ካልኦትን ኣሲሩ ይርከብ።

እቲ ስርዓት፣ ነቲ ብተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ዝተበገሰ ሕቶ መሰል ተቓውሞ ኣኽርያ’ውን፣ ከም ልማዱ ናይ “እስላማውያን ምንቅስቓስ” ብምባል፣ ናብ ሓደገኛ ሃይማኖታዊ መኣዝን ክጥምዝዞ ከምዝፈተነ ዝዝከር’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0