ሶማል ምስ ኬንያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና በቲኻ

Radio Erena: 15 December 2020

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ሙሰ ቢሒ ዓብዲ፣ ኣብ ኬንያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ብ13 ታሕሳስ ናብ ናይሮቢ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ ጉዳያት እቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ብምትኳር ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ከምዝዘተዩ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ኣቐባብላ ዝግበረሉ ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ’ዩ።

ኬንያ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ብምእታዋ ዝወቅስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ብፍላይ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ንዘለዋ ጥቡቕ ምትእስሳር’ዩ ዝቓወም።

ምርጫ ንምክያድ ኣብ ምድላው እትርከብ ሶማል፣ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣሕመድ ማዶበ፣ ኣብቲ ሃገራዊ ምርጫ ንኸይሳተፍ ብኬንያ ከምዝተደፋፍአ’ያ ትኸስስ።

ኣሕመድ ማዶበ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ካብ ከተማ ጌዶ ከይወጸ፣ እታ ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ ምርጫ ከምዘይትሳተፍ’ዩ ኣፍሊጡ።

ምብጻሕ ፕረዚደንት ናይ ካልእ ካብ ሶማል ዝተፈንጨለት ርእሰ ምምሕዳር ናብ ኬንያ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ተወሳኺ ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሶማልን ኬንያን፣ ኣምባሳደራትን ብምስሓብ፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ክሳብ ምብታኽ በጺሐን ኣለዋ ዘለዋ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0