ሶማል፤ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት 40 ኣባላት ኣልሸባብ ቀቲሉ

Radio Erena: 04 July 2022

ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ሶማል፤ ብውሑዱ 40 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።

ሺን ሁዋ ካብታ ሃገር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፤ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ሸበሌ ዝተኻየደ ውግእ፤ ኣስማቶም ዘይተገልጸ ሓለፍቲ ኣልሸባብ ክቕተሉ እንከለዉ፤ ሓያሎ መካይን ከምዝተቓጸላ ኣፍሊጡ።

ኣልሸባብ ካብ ዝበዝሐ ክፋል ሶማል ተደፊኡ እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከብ ከባቢታት ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምህላዉ፤ ነተጉቲ ኣብ ምጽዋድን፤ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ ኣብ ምክያድን እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።

ብኻልእ ወገን፤ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፤ ካብ ዕለት 3 ክሳብ 5 ሓምለ፤ ወግዓዊ ዑደት ንምፍጻም ናብ ቱርኪ ኣምሪሑ።

ክልቲኤን ሃገራት ቁጠባዊ ዝምድና ዝጸንሐን ኮይኑ፤ ኣብዚ ናይ ሓሰን ሸኽ ዑደት፤ ዝያዳ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዘተ ከምዘካይዱ፤ ማዕከናት ዜና ቱርኪ ሓቢረን።

ሶማል፤ ካብ ዩክረይን እትዕድጎ ዝነበረት እኽሊ፤ መተካእታ ንምርካብ ምስ ሓያሎ ሃገራት ትዘራረብ ምህላዋ እዩ ዝንገር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0