ሶማል፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ብዘይምርጫ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ድሕሪ ምውሳኑ፣ ኣብ ሞቛድሾ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 27 April 2021

ኣብ 8 ለካቲት 2021፣ ስልጣኑ ዘብቕዐ ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፣ ብዘይ ምርጫ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ድሕሪ ምውሳኑ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ መጥቃዕታት ተኻይዱ።

እቲ ካብ 25 ሚያዝያ ኣትሒዙ፣ ኣብታ ከተማ ተጎሃሂሩ ዘሎ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታትን ሚሊሻታት ቀቢላን’ዩ ተኻይዱ።

ብዝያዳ ድማ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፕረዚደንት ፋርማጆን ቅድሚኡ ፕረዚደንት ዝነበረ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ምንባሩ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ነበር ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብመንግዲ ትዊተር ኣብ ዘመሕላለፎ መልእኽቲ፣ ብፕረዚደንት ፋርማጆ ዝተላእኩ ዕጡቓት፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ’ዩ ከሲሱ።

ንጸጥታ ከም መሳርሒ ፖለቲካ ምጥቓዕም ሓደገኛ’ዩ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት ነበር ስዒቡ ንዝመጽእ ሓደገኛ ምዕባለታት፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ’ዩ ተሓታቲ ክብል ወቒሱ።

ካልኦይ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት’ውን በቲ ፕረዚደንት ዝእዘዙ ሓይልታት፣ ኣብ መንበሪ ኣባይቶም መጥቃዕታት ከምዝተኻየደሎምን ታህዱድን ምፍርራሕን ይበጽሖም ከምዘሎን፣

ብዘይካ’ዚ፣ ስልጣኑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ’ዩ ኣናዊሑ ብምባል ዝቓወሙ መራሕቲ ሓያሎ ቀቢላታት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ፖሊስን ሓለፍቲ ጸጥጣን ኣብዚ ኣብ ሞቛድሾ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ኢዶም ይሕውሱ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ምስ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን ንዘይምስምምዑ ከም ምኽንያት ብምቕራብ፣ ስልጣኑ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ከናውሕ ዝወሰነ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ካብ ሶማላውያን ፖለቲከኛታት ጥራይ ዘይኮነ መሻርኽቲን መወልቲን ካብ ዝኾና ሃገራትን ዞባውያንን ኣህጉራውያን ውድባትን’ውን ተቓውሞታት ይዘንቦ ኣሎ።

ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ኵናት ሓድሕድ እትርከብ ሶማል፣ ካብ 2016 ኣትሒዛ፣ ትካላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓተ መንግስቲ ንምቛም መስርሕ እኳ እንተጀመረት፣ እዚ ፕረዚደንት ፋርማጆ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፣ ንድሕሪት ዝጎትትን ብዝበኣሰ ናብ ግጭት ዘእቱን ምዃኑ’ዩ ዝንቐፍ።

ድሮ’ውን ዝተፈላለዩ ዕጡቓትን ሚሊሻታት ቀቢላትን፣ የገድስ’ዩ ንዝበልዎ ክፋል ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ምቑጽጻር’ዮም ዝርከቡ።

ኣብ ሶማል፣ ህላዌኡ ኣደላዲሉ ዝርከብ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ብወገኑ፣ እዚ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ዘይተሓስበ ምርቓ ክኾኖ’ዩ ዝብል ስግኣታት ዛይዱ ይርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0