ሶማል፣ ዝተጻወደ ነታጕ ሸውዓተ ወትሃደራት ኬንያ ቀቲሉ

ሶማል፣ ዝተጻወደ ነታጕ ሸውዓተ ወትሃደራት ኬንያ ቀቲሉ

Radio Erena: 08 May 2018

alshebab

ኣብ ሶማል፣ ምስ ኬንያ ኣብ እተዳውብ ከተማ ድሖብለ ዝተጻወደ ነታጕ ብውሕዱ ሸውዓተ ወትሃደራት ኬንያ ከምዝቐተለ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ወትሃደራት ኬንያ ዝጸዓና መካይን፣ ኣብ ዝሓልፋሉ መንገዲ ዝተጻወደ ነታጕ ድሕሪ ምፍንጃሩ፣ እቶም ሸውዓተ ብኡ ንብኡ ክሞቱ እንከለዉ፣ ካልኦት ከኣ ብፈኵስን ቀሊልን ቆሲሎም።

ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝሃንደሰ ዝገለጸ ኣልሸባብ ብውሕዱ 15 ወትሃደራት ኬንያ ከምዝቐተለ’ዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ መንግስቲ ኬንያ፣ ብዛዕባ ግዳያት ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።

 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፣ ኣልሸባብ ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ሓያሎ ወትሃደራት ኬንያ ከምዘቑሰለ ይግለጽ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0