ሶማል፣ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ሕ/ሃ፣ ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ከይኣቱ ተኸልኪሉ

ሶማል፣ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ሕ/ሃ፣ ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ከይኣቱ ተኸልኪሉ

Radio Erena: 23 January 2019

መንግስቲ ሶማል፣ ንኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ናብ ሃገሩ ከይእቱ ከምዝኸልከሎ ዲፕሎማስያውያንምንጭታት ኣቃሊዖም።

ቀዋሚ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርየስ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሶማልን እስላማውያን ጉጅለታትን ንዘሎ ምስሕሓብ ናይ ምሽምጋልን ምቅርራብን መስርሕ ከሳልጥ እኳ እንተተመዘዘ፣ ፕረዚደንት ሶማል ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ግና ናብ ሞቛድሾ ክቕበሎ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ካብ ዝሓለፍ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ናብ ሶማል ከይኣቱ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ተኸልኪሉ ከምዘሎ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ዘረጋገጸ ኣፍሪካን ኢንተልጀንስ ብወገኑ፣ ዝተኸልከለኡ ምኽንያት፣ ምስቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን ዝኸተምዎ ስምምዕ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣንፊቱ።

ሓደ ካብ ነቐፍቲ ምሕደራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ዝፍለጥ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ፣ ንመንግስቲ ሶማልን ኣልሸባብ ዝርከቦም ዕጡቓት እታ ሃገርን ንምዝርራብ ዝተዋህቦ መዝነት፣ ብወገን ፕረዚደንት ፋርማጆ ተቐባልነት ዘይረኸበሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝኸተሞ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ’ዩ ዝትንተን።

ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተኸተመ ስሉሳዊ ስምምዕ ሰላም፣ ንባይቶ ሶማል ዘየሳተፈን ምስጢራውን’ዩ ብዝብል ሓያሎ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ተቓውሞ ከምዘስምዑ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፣ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከምዝኣዘዞ’ውን ኣይርሳዕን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜግነት ዘለዎ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሶማል ክወጽእ ዝኣዘዘሉ ምኽንያት፣ እቲ ልኡኽ፣ ንምእሳር ‘ቲ ናብ መንግስቲ ሶማል ኢዱ ዝሃበ’ሞ፣ ድሕሪ ዝተገብረሉ ምሕረት ኣብ ምርጫ እታ ሃገር ንምስታፍ ጎስጓስ ዘካየድ ዝነበረ ምክትል መራሒ ኣልሸባብ ነበር ሙክታር ሮቡው ብምቅዋም’ዩ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ጣልቓ ብምእታው’ዩ ዝኸሶ።

ካብ ሕቡራርት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ደገፍ ዘለዎ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ንክልተ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ከልኪሉ ኣሎ።

ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትር ኣብ ኢትይጵያን ካልእ ጽፍሕታትን ዝነበሮ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ እኳ እንተነበረ፣ ንምልካዊ መሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምቅዋሙ፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝእለ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምግልጋል’ዩ ዝርከብ።

ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ፣ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜግነት ብምሓዝ፣ ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ፓስፖርታት ከምዝንቀሳቐስ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0