‘ሶማል፣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ’ያ ዘላ።’ ፕረዚደንት ሸኽ ማሕሙድ

Radio Erena: 03 June 2022

ኣብ ሶማል፣ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ገሊጹ።

እቲ ብምርጫ ዝተዓወተ ፕረዚደንት፣ ኣብ 23 ግንቦት ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ፣ ናብ ዞባታት እታ ሃገር ፈላሚ ዑደቱ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ሶማል ኣብ ሓደጋ ጥሜት ከምዘላ ኣትሓሳሲቡ።

ንሱ፣ ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፣ ብሰንኪ ደርቂ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ንዝርከቡ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር በጺሑ።

መርበብ ዜና ዘ ኢስት ኣፍሪካን ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ካብ ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣስታት 240 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምዕራብ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ባይደዋ፣ ኣብ ዘሎ ግዝያዊ መዕቖቢ፣ ኣብ ባሕቲ ሰነ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ንሓደጋ ደቅሪ፣ ሶማላውያን ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም፣ ኢደይ ኢድካ ብምባል፣ ተሓባቢሮም ክሓልፍዎ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብግዲኡ ህጹጽ ረዲኤት ክልእኽ ተማሕጺኑ።

ኣብ ሶማል፣ 4.5 ሚልዮን ሰባት ብቀጥታ ንሓደጋ ደርቂ ተቓሊዖም ከምዘለውን ኣስታት 700 ሽሕ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ወኪል ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣደም ዓብደልሙላ ሓቢሩ።

ተጸባይ ረዲኤት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ ሶማል ብሓፈሻ ኣስታት 7 ሚልዮን’ዩ ዝበለ እቲ ወኪል፣ ልዕሊ 370 ሽሕ ቆልዑ፣ ብከቢድ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ተጠቒዖም ምህላዎም ኣስሚርሉ።

ኣብ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ብፍላይ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ድሕሪ’ቲ ናይ 1980ታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0