ሶማል፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን መላፍንቱ ዝነበረ ሓይሊ ኣህሉ ሱናን ብዝተኻየደ ግጭት ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 120 በጺሑ

Radio Erena: 27 October 2021

ኣብ ሶማል፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቕ ሓይሊ ኣህሉ ሱና ዋላ ጂምዓን ብዝተኻየደ ግጭት ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 120 በጺሑ።

ኣብቲ ካብ 23 ክሳብ 25 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዞባ ጋልምዱግ፣ ዝተወልዐ ግጭት፣ ናይ ዝቖሰሉ ብዝሒ ሰባት’ውን ናብ ልዕሊ 600 ከምዝዓረገ፣ ንኣፈኛ ዕጡቕ ሓይሊ ኣህሉ ሱና ዋላ ጂምዓ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ዞባ ጋልምዱግ ብኣንጻሩ፣ 16 ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ከምዝተቐትሉን 45 ድማ ከምዝቖሰሉን ብምጥቃስ፣ ኣብቲ ካልእ ወገን ዝወረደ ጉዳት ግና ሓበሬታ ከምዘይብሉ ኣገንዚቡ።

እቲ ኣብ ማእከል ሶማል፣ ዞባ ጋልምዱግ፣ ከባቢ ጉሪሰል፣ ንሳልስቲ ዝተኻየደ ግጭት፣ መሊሱ ከይብእስ ብምስጋእ፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት ቤት ንብረቶም ራሕሪሖም ከምዝሃደሙ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ኣህሉ ሱና ዋላ ጂምዓን፣ ብልፍንቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ክዋግኡ ዝጸንሑ’ዮም።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ኣብ መንጎኦም ዝተራእየ ምስሕሓብ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ግጭት ዓሪጉ፣ ንካልኦት ቀቢላታትን ሚሊሻታትን ሶማል ከይጸሉ ተሰጊኡ።

ምስ ምድንጓይ ምርጫን ጉዳይ ምልኣኽ ሰራዊት ሶማል ናብ ኤርትራን ብዝምልከት፣ ኣብ ክልተ ተገማሚዑ ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከይፈትሐ፣ ምስ መላፍንቱ ዝነበረ ሓይሊ ናብ ግጭት ምእታዉ፣ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ናይ ጸጥታ ቅልውላው ሸሚሙዋ ይርከብ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0