ሶማል፣ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር  ሓገዝ፣ ካብ ኣመሪካ ክትረክብ’ያ

ሶማል፣ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ፣ ካብ ኣመሪካ ክትረክብ’ያ

Radio Erena: 20 December 2018

Farmajo and Yamamato

ኣመሪካ፣ ንሶማል ናይ ልዕሊ 900 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትገብር ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሶማል ኮይኑ ዝተመዘዘ ዶናልድ ያማማቶ ብሰሉስ 18 ታሕሳስ ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓቡላሂ ፋርማጆ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን’ዩ።

እቲ ኣስታት 420 ሚልዮን ዶላር፣ ህይወት ኣብ ዘድሕኑ መሰረታውያን ሰብኣዊ ሓገዛት ክውዕል እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ኣብ ምምሕያሽ ምሕደራ መንግስቲ፣ ኣገልግሎታት ኣብ ምስፋሕን መኽፈሊ ዕዳን ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣመሪካ፣ ካብ 1991 ኣትሒዛ ዓጽያቶ ዝጸንሐት ናይ ሶማል ኤምባሲኣ፣ ድሕሪ ኣስታት 28 ዓመታት ‘ያ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ዳግም ከፊታቶ።

 

=========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0