ሶማል፣ ንኤርትራ ዝገለለ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሞቛድሾ ይካየድ

Radio Erena: 01 February 2023

ኣብ ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝጀመረ መጥቃዕታት ብዝልዕለ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ንምምይያጥ ናብ ሞቛድሾ ኣትዮም።

ብዕድመ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ብረቡዕ 01 ለካቲት ናብ ሞቛድሾ ዝኣተዉ መራሕቲ፦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፤ ፕረዚደንት ጂቡቲ  እስማዒል ዑመር ገለን፤  ፕረዚደንት ኬንያ፡ ዊልያም ሩቶን  ‘ዮም።

ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ’ውን ወትሃደራውያን ኣዘዝቲን ሚኒስተራት ምክልኻልን እዘን ሃገራት፣ ኣብ ሞቛድሾ ምምይያጦም መርበባት ዜና ሶማል ሓቢረን።

እዘን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ካብ 2006 ኣትሒዘን፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣፍሪቃ ዝተሓቑፉ፣ ብድምር ኣስታት 30 ሽሕ ሰራዊት ናብ ሶማል ኣዋፊረን ዘለዋ’የን።

ሓንቲ ካብተን ናብ ሶማል ዝወፈረ ዓቃብ ሰላም፣ ዝበዝሑ ወትሃደራት ዘበርከተት ኡጋንዳ ኣብዛ ዋዕላ ኣይተሳተፈትን።

ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሕግዙ ተባሂሎም፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት፣ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራዊት ሶማል ዘሰልጠነት ኤርትራ’ውን ካብዚ ናይ ጎረባብቲ ዋዕላ ተገሊላ’ያ።

ኣልሸባብ፣ ብኣመሪካን መሻርኽቲ ጎረባብቲ ሃገራትን ብዝድገፍ ሰራዊት ሶማል ብዝካየደሉ ዘሎ፡ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ መጥቃዕታት፣ ንንዊሕ ዓመታት ዓሪድሉ ካብ ዝጸንሐ ከባቢታት እናሰሓበ ናብ ዶባት ኬንያን ኢትዮጵያን ይጽጋዕ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኬንያ፣ ሰራዊታ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ትእዛዝ ከተመሓላልፍ እንከላ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዶባታ ንዝተጸግዑ ዕጡቓት ኣልሸባብ ብዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 18 ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ።

ነዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ግጭት ተጸሚዱ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ድሕሪ ‘ቲ ምስ ህወሓት ዝኸተሞ ስምምዕ፣ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ናብ ክልል ኦሮምያን ምስ ኬንያን ሶማልን ናብ ዘዳውብ ከባቢታትን የዋፍር ምህላዉ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ናብ ሶማል ኣዋፊራ እትርከብ ጂቡቲ፣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተወሳኺ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምክያድ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ተደጋጋሚ ርክባት ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲን ሚኒስተራት ምክልኻልን ኣካይዳ።

ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ፣ ቀንዲ መሻርኽቲ መንግስቲ ሶማል ዝኾት ኡጋንዳ ከማኡ ድማ ኤርትራን፡ ካብዚ ኣብ ጉዳይ ኣልሸባብ ዘተኮረ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተገለላሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0