ሶማል፣ ቀ/ሚ ኻይረ ካብ ስልጣኑ ክእለ ፓርላማ ናይ ድጋፍ ድምጹ ሂቡ

Radio Erena: 27 July 2020

ካብ 2017 ኣትሒዙ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዝነበረ፣ ሓሰን ዓሊ ኻይረ ካብ ስልጣኑ ክእለ፣ ፓርላማ ናይ ድጋፍ ድምጺ ሂቡ።

እቲ ፓርላማ፣ ብቀዳም 25 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ርሱን ኣኼባ፣ ካብ 275 ኣባላቱ፣ እቶም 170 ንምእላይ እቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ደጊፎም።

ሸሞንተ ኣንጻር እቲ እማመ ከድምጹ እንከለዉ ካልኦት ድማ ናይ ድምጺ ተዓቕቦ ጌሮም።

ፓርላማ ሶማል፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ኻይረ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝድግፍ ድምጺ ዝህብ ዘሎ፣ ብጉዳይ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ክሰማምዑ ስለዘይክኣሉ’ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት፣ ገፊሕ ፍልልይ ከምዝጸንሖም ዝጠቐሱ ተንተንቲ ድማ፣ ጉዳይ ምርጫ ሓደ ካብኡ ጥራይ ምዃኑ ኣንዚቦም።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ነቲ ብዝበዝሑ ኣባላት ፓርላም ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝተሓተተ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምፍናው ንማህዲ መሓመድ ጉለድ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ሸይምዎ።

ሓያሎ ፖለቲካውን ሰልፍታት እታ ሃገር ነቲ ውሳኔ ዝቃወም መግለጺታት የውጽኣ ኣለዋ።

ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን’ውን ነቲ ናይ ፓርላማ ሶማል ስጉምቲ ኣይደገፋን።

እዚ ኣብ መንጎ መራሒ መንግስትን መራሒ ሃገርን ሶማል ተኸሲቱ ዘሎ ምክፍፋል፣ ቀ/ሚ ካብ ስልጣኑ ክእለ ፓርላማ እታ ሃገር ዝወሰዶ መርገጺን፣ ንሶማል ናብ ተወሳኺ ቅልውላው ከይሸማ ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

ፓርላማ ሶማል፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ን15 ነሓሰ ተወሳኺ ዘተ ከካይድ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ መርበባት ዜና ሶማል ሓቢረን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0