ሶማልያ ድሕሪ 25 ዓመታት ንመጀመርያ እዋና ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ከተሕትም’ያ

Radio Erena: 09 March 2017

shiling

ሶማልያ ድሕሪ 25 ዓመታት ንመጀመርያ እዋና ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ከተሕትም ምድልዋት ትገበር ከምዘላ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ምቅዳቅ መራሒ እታ ሃገር ነበረ ስያድ ባረ ካብ ስልጣን ኣብ 1991 ሕጋዊ ብጤራ ዘይጸንሃ ሶማል፣ ህዝባ ነዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብዶላር፣ ኤውሮን ናይ ጎረባብቲ ሃገራትን ባጤራ’ዩ ክጥቐም ጸኒሑ።

እታ ሃገር፣ ድሕሪ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ 2009 ‘ውን እንተኾነ ፣ ሃገራዊ ባንክ ክትምስርት እኳ እንተኸኣለት፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ንምሕታም ግና ኣይከኣለትን።

ሓድሽ ተመሪጹ ዘሎ ፕረዚደንት ማሕመድ ዓብደላ ፋርማጆ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ነታ ሃገር ብጸጥታ ናይ ምርግጋእ ዕማሙ፣ ቁጠባ ሶማል ንምብርባርን ሃገራዊ ባጤራ ንምሕታም ካብ ቀዳምነታቱ ምዃኑ ይገልጽ።

ሺሊንግ ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ዝተገልጸ ሃገራዊ ባጤራ ሶማል ናብ ዕዳጋ ዝዝርግሓሉ ዕለት ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣብ ዕዳጋ ንምውዓሉ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ’ዩ ይሕብር።

ሓድሽ ሃገራዊ ባጤራ ሶማል ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝዝርግሓሉ፣ ፈለማ ናይ 1 ሽሕ ሺሊንግ ናይ ወረቀት ገንዘብ ጥራይ ኣብ ዑደት ክጸንሕ ተወሲኑ ከምዘሎ ወኪል ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል (IMF) ኣብ ሶማልያ መሓመድ ኤልሓጅ ኣንፊቱ።

ሶማልያ፣ ብዘይሕጋዊ ሓዋላን ምዝርጋሕ ዝተተምየነ ባጤራታትን ግኑን ስም ሒዛ’ያ ጸኒሓ።

ምትእትታው ሃገራዊ ባጤራ፣ ከምዚ ንዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ምብታን ትምዩን ባጤራን ንክቖጻጸር ተኽእሎ ከምዘሎ ክኢላታት ቁጠባ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0