ስጳኛ፣ እናሓንበሱ ዝሰገሩ ኣስታት 8 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሞሮኮ ትመልስ

Radio Erena: 20 May 2021

መንግስቲ ስጳኛ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ናብታ ምስ ሞሮኮ ለጊባ እትርከብ ስዌታ፣ ዝተባህለት ክፋላ ዝሰገሩ ኣስታት 8 ሽሕ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሞሮኮ ይመልሶም ኣሎ።

እዞም፣ እናሓንበሱን ብንኣሽቱ ጀላቡን ናብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ክፋል ስጳኛ ዝኣተዉ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ መብዛሕትኦም ተወላዶ ሞሮኮን ካልኦት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ምዃኖም’ዩ ተመልኪቱ።

ኣስታት 1500 ካብቶም ኣብ ክልተ መዓልታት ናብ ስዌታ ስገሩ ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም’ዩ ተሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት ብሃንደበት ናብ ስጳኛ ዝወሓዝሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ሞሮኮ፣ ምስ ስጳኛ ዝነበሮ ስደተኛታት ናይ ምዕጋት ውዕል ስለዘፍረሰ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣመልኪቶም።

ሓለዋ ዶባት ሞሮኮ ሸለል ዝብልዎ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ብመሬት ንዝተላገባ ክፋል ስጳኛ ዝኾነት ስዌታን ሞሮኮን ዝፈሊ ሓጹር ንምዝላሉ ስለዘጸገሞም፣ እቲ ዝቐለለ መንገዲ ብምሕንባስን ብንኣሽቱን ጀላቡ እናተጠቕሙን’ዮም ናብ ስጳኛ ክኣትዉ ክኢሎም።

ኣማኢት ዝኾኑ’ውን በቲ ሓጹር ንምዝላል እኳ እንተፈተኑ፣ ብዘይካ 10ታት እቶም ካልኦት ክዕወቱ ከምዘይክኣሉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0