ስዑዲ ዓረብ 16 ኤርትራውያን ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ክሊ ማያ ከምዝሓዘት ተገሊጹ

ስዑዲ ዓረብ 16 ኤርትራውያን ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ክሊ ማያ ከምዝሓዘት ተገሊጹ

Radio Erena: 01 August, 2014

Eri Navy

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ፣ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጀዛን፣ ፈርሳን ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ደሴት 16 ኤርትራውያን ከምዝሓዙ የመኒ ኢኮኖሚስት ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እቶም ነዳዲ ኣብ ዝጸዓነት ጃልባ ዝነበሩ 16 ኤርትራውያን፣ ናብቲ ናይ ስዑዲ ዓረብ ክሊ ማይ ዝኣተውሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣሰጋጊሮም ከምዘሎ እቲ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ተወላዶ ዓፈርን ብጀላቡ ናብ ጂዛን-ስዑዲ ዓረብን የመንን ወደብ ሖዴዳድን እናኣተዉ ዑቕባ ክሓቱ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

 

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0