ስዑዲ ዓረብ ንመጀመርያ እዋና ምስ ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ትዝቲ

ስዑዲ ዓረብ ንመጀመርያ እዋና ምስ ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ትዝቲ

Radio Erena: 10 March 2016

Houthi

ስዑዲ ዓረብ ንመጀመርያ እዋና ምስ ተቓወምቲ ሒቲ ናይ የመን ቀጥታዊ ዝርርብ ምክያደን ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ።

እቲ ብሰኑይ 7 ለካቲት ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ዝተኻየደ ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ንምብጻሕ ምዃኑ ክልትኦም ወገናት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ክልቲኦም ወገናት ምሩዃት ኵናት ንምልውዋጥ’ውን ድሉዋት ምህላዎም ድሕሪ’ቲ ዘካየድዎ ቀጥታዊ ዝርርብ ኣፍሊጦም።

 

ዛጊት ሕuቲ ሓደ ሱዑዳዊ ወትሃደር ናጻ ክለቕቕ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ ከኣ ኣባላት ሑቲ’ዮም ኔሮም ዝበለቶም ሸውዓተ የመናውያን ለቒቓ ኣላ።

ዕላማ’ቲ ዝተኻየደ ቀጥታዊ ዝርርብ፣ ብመንንገዲ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ፣ ናብ የመን ሰብኣው ረድኤት ንምብጻሕ ምዃኑ ስዑዲ ዓረብ ትገልጽ እኳ እንተላ፣ እታ ሃገር ንኩነታት የመን ብወትሃደራዊ ሓይሊ ኣብ መወዳእታ ከተብጽሖ ስለዘይክኣለት፣ ፖለቲካዊ ዘተ ከም ኣማራጺ ወሲዳቶ ምህላዋ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይእምቱ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ኪዳን ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኵናት፣ ንሑቲ ካብ ሓደ ሓደ ከተማታት ክደፍኦ ክኢሉ’ዩ።

ይኹን’ምበር ንጽልዋን ሓይሊን ናይቲ ብእምነት ሺዓ ዝምራሕ ሑቲ ካብ የመን ጠቕሊሉ ክኣልዩ ኣይከኣለን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ምስ ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ተዘራሪቡ።

እቲ ትማሊ ሮቡዕ 9 መጋቢት ዝተኻየደ ዝርርብ ፕረዚደንት ኦትዮጵያን ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራትን ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘተኮረ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ናይ 2015’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ሶኡዲ ዓረብ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብ ኤርትራ ምስ እትርከበን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትገብሮ ዘላ ምንቕስቓስ ፣ ንኢትዮጵያ ሻቕሎት ፈጢሩላ ምህላዉ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0