ስዑዲ ዓረብ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ምቁራጽ ተዅሲ

ስዑዲ ዓረብ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ምቁራጽ ተዅሲ

Radio Erena: 08 May 2015

5cea

ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ወፍሪ ንሓሙሽተ መዓልታት ደው ከተብሎ ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ ኣብ ኬንያ፣ ሶማልን ጅቡትን ዑደት ዘካየደ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኬሪ ናብ ሪያድ ድሕሪ ምእታዉ’ዩ።

ምስቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ዘተ ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓብደል ኣልጁቤር፣ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣ መግለጺ፣ ኣመሪካ ነቲ ናይ ስዑዲ ዓረብ ተበግሶ ከምእትድግፍ እኳ እንተጠቐሰ፣ እቲ ወትሃደራዊ ወፍሪ ንሓሙሽተ መዓልታት ደው ክብል ዝተወሰንሉ ምኽንያት ኣይነጸረን።

 

ስዑዲ ዓረብ ኣቐዲማ’ውን፣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ደው ብምባል ናብ ካልእ መድረኽ ክትሰግር ምዃና ጠቒሳ እኳ እንተነበረት፣ ክሳብ ትማሊ ግና ደብዳብ ክትቕጽሎ ጸኒሓ’ያ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብነፈርቲ ውግእን ሚሳይላትን ከተካይዶ ዝጸንሐት ወትሃደራዊ ወፍሪ ብኣጋር ሰራዊት’ውን ክትቕጽሎ ምዃና’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ንፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ዝድግፉ ዲፕሎማሰኛታት እታ ሃገር፣ ብነፈርትን ሚሳይላትን ኣንጻር ሑቲ ክካየድ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ወፍሪ ናብ ናይ ኣጋር ሰራዊት መጥቃዕቲ ክሰጋገር ብምጽዋዕ፣ ኣህጉራዊ ሓይሊ ናብ የመን ክኣቱ ርእይቶ ይህቡ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ምስ የመን ዘዳውብ ከባቢታት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራዊትን ኣማኢት ታንክታትን ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ ከባቢ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ኣብ መንጎ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብን ተቓወምቲ ሑቲን ጸጸኒሑ ግጭታት ይርአ ምህላው’ውን ምንጭታት ዜና የመልክቱ።

ናብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብ ሰራዊታ ንምልኣኽ ቅርብቲ ምህላዋ ብወግዒ ዝሓበረት ሃገር ዛጊት ሰኔጋል ጥራይ’ያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ተቓወምቲ ሑቲ ኣብ ደብዳብ ተዋፊራ ዝነበረት ኣፓቺ ዝዓይነታ ናይ ውግእ ሄሊኮፕተር ስዑዲ ዓረብ ሃሪሞም ከምዘውደቑ ሓቢሮም።

ስዑዲ ዓረብ’ውን፣ ሓንቲ ካብ ሄሊኮፕተራታ ኣብ ድሕሪ መስመር ከምዝወደቐትን ክልተ ኣብረርታ ግና ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበጽሖምን እኳ እንተጠቐሰት፣ ብተቓወምቲ ሑቲ ከምዝተሃርመት ግና ኣየረጋገጸትን።
===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0