ስዑዲ ዓረብ ንሑቲ ምድብዳብ ትቕጽል፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሑቲ ርክብ የብለይን ይብል

ስዑዲ ዓረብ ንሑቲ ምድብዳብ ትቕጽል፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሑቲ ርክብ የብለይን ይብል

Radio Erena: 02 April 2015

Saudi FM

ብኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቲን፣ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝምርሑ ሓይልታትን እቶም ቀንዲ ጠንቒ ዕንወት የመን ምዃኖም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወራስ ዓራት ስዑድ ኣል ፈይሰል ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ባይቶ ሹራ ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ መግለጺ፣ ስዑዲ ዓረብ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ስግኣት ደው ክሳብ ዝብል ጀሚራቶ ዘላ መጥቃዕቲ ክትቕጽሎ ምዃና’ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

 

እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሀን ትሽዓት ሃገራት ብልፍንቲ ዘካይድኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ፣ ብጻውዒት ፕረዚደንት ዓብ ደረቦ መንሱር ሓዲ ይካየድ ከምዘሎ’ውን ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብቲ ኣውራ ኣብ ተዋሳኢ ናይ የመን ኩነታት ኮይኑ ዝጠቐስ ዘሎ ፕርዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ እዚ ናይ ሃገራት ዓረብ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ናብ ናይ ኣጋር ሰራዊት እንተተሰጋጊሩ፣ ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ክወጻእ ከምዝኽእል’ውን ሓደ ሓደ ተንተንቲ ፖለቲካ የመን የመልክቱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ሪያድ ያሲን ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ እቲ ፕረዚደንት ነበረ ናብ ኤርትራ ንምህዳም ምድላዋት ይገብር ምህላዉ ዘመልክት ሓበሬታ ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብዛዕባ፣ዚ ናይ የመን ኩነታት ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምስ ተቓወምቲ ሑቲ ይኩን ምስ ካልኦት ሓይልታት የመን ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ’ውን ገሊጹ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሑቲ ዓብዱልማሊክ ኣል ዓጅሪ፣ ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት ንምዝርራብ ናብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ወከልቲ ሑቲ ከምዝተላእኩ እኳ እንተገለጸ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ምስቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ’ዩ ዝሕብር።

ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጅቡትን ሱዳንን፣ ምስቲ ነቲ ስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ናይ ልፍንቲ መጥቃዕቲ ሃገራት ዓረብ ዘለወን ደገፍ ብወግዒ ክገልጻ እንከለዋ፣ ኣቐዲሙ ንመንግስቲ የመን ከምዝድግፍ ብወግዒ ዘፍለተ መንግስቲ ኤርትራ ግና ብዛዕባ’ዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ዝድግፍ ወይ ዝኹንን መግለጺ ኣይሃበን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ሻድሻትይ መዓልቲ ሒዙ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ሓያሎ ሃገራት ኣብ የመን ዝነብሩ ዜጋታተን ብመንገዲ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ምውጽእ ይቕጽላ ኣለዋ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0