ስዑዲ ዓረብ ናይ የመን ወትሃደራዊ ስርሒት ደው ከምዘበለቶ ትገልጽ፣ ግጭት የመን ግና ይቕጽል

ስዑዲ ዓረብ ናይ የመን ወትሃደራዊ ስርሒት ደው ከምዘበለቶ ትገልጽ፣ ግጭት የመን ግና ይቕጽል

Radio Erena: 23 April 2015

yemen war

ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ከተካይዶ ዝጸንሐት ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ደው ከምዘበለቶ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠት፣ ኣብ የመን ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣንፈት ስለዝተረኽበ ምዃኑ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

እንተኾነ፣ ተቓወምቲ ሑቲን ንፕረዚደንት ሓዲ ዝድግፉ ሓይልታትን ኣብ ከተማታት ሰንዓ፣ ዓደንን ጣይዝን ጽዕጹዕ ኵናት የካይዱ ከምዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

ስዑዲ ዓረብ’ውን ድሕሪ’ቲ ደብዳብ ነፈርቲ ደው ከምዘበለት ዝገለጸትሉ ግዜ፣ ኣብ ውሱን ከባቢታት ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ማዕከናት ዜና የመልክታ።

 

ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ወገን ዝካየድ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብታ ሃገር ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ስለዘይክእል፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ዘይኮነ ብፖለቲካዊ ልዝብ ጥራይ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብዙሓት ፖለቲካውያን ተንተንቲ ክጠቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ተቓወምቲ ሑቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ከባቢ ከተማ ዓደን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ንዝማረኽዎ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል ማሕሙድ ኣል ሱባይሒ ናጻ ከምዝለቐቕዎ ተሓቢሩ።

ተቓወምቲ ሑቲ ናብ ዓደን ኣብ ዝግስግስሉ ዝነበሩ እዋን፣ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱ ሓዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሃድም እንከሎ ምስኡ ዝነበረ ሚኒስተር ምክልካል ግና ከምዝተታሕዘ ኣይርሳዕን።

ሑቲ ንዝማረኾ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ የመን ናጻ ምልቓቖም ከኣ፣ ንፖለቲካዊ ዘተ ዝዕድም ኣንፈት’ዩ እናተባህለ ይጥቐስ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0