ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ ኣባላት ሰራዊት ክኾና ከምዝኽእላ ኣዊጃ

Radio Erena: 14 October 2019

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ፣ ኣባላት ሰራዊት ክኾና ዝፈቅድ ሓድሽ ኣዋጅ ወጺኡ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዝወጸ፣ ደቂንስትዮ ወትሃደራት ክኾና ከምዝኽእላ ዝገልጽ ኣዋጅ፣ ኣካል ናይቲ ንግስነት እታ ሃገር ዘተኣታትዎ ዘሎ ጽገናዊ ለውጥታት’ዩ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፣ ደቂንስትዮ ፓስፖርት ክሕዛን፣ ብዘይ መሰነይታ ደቂተባዕትዮ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገሻን ዝፈቅድ ኣዋጅ ምውጽኣ ይዝከር።

ስዑዲ ኣቐዲማ፣ ደቂንስትዮ መኪና ክዝውራ፣ ኣባላት ጸጥታ ክኾና፣ ኣብ ናይ ስፖርትን መዘናግዒ ሜዳታት ምስ ደቂተባዕትዮ ተጸንቢረን ክዕዘባን ዝፈቅድ ኣዋጃት ኣብ ግብሪ ኣውዒላ’ያ።

ብስም እስላማዊ ሕግታት “ሸሪዓ” መሰል ደቂንስትዮ ብምግሃስ ምስ ቀዳሞት ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ እትርከብ ስዑዲ ዓረብ፣ ብ”ራኢ 2030” ዝፍለጥ፣ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ማሕበራውን መሰላት ዜጋታትን ብዙሕ ለውጥታት ንምትእትታው ጀሚራ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0