ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ እትርከቦ ኪዳን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን መስሪታ

Radio Erena: 07 January 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ እትርከቦ ኪዳን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ከምዝመስረተት ብወግዒ ኣፍሊጣ።

እቲ ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቖፈ ኪዳን፣ ብሰኑይ 6 ጥሪ ኣብ ሪያድ ዝቖመ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይዘን ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፣ ፈይሰል ቢን ፋራሕ ኣልስዑድ ምስቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሸውዓተ ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ንምምስራት እቲ ባይቶ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝበሎ ኪዳን ዘኽእል ቻርተር ከምዝተኸተመ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ የመን፣ ግብጺን ዖማንን ነቲ ቻርተር ከምዝኸተምሉ ቤት ጽሕፈት እቲ ሚኒስተር ካብ ሪያድ ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ እቲ ኪዳን ዝኾነ ወትሃደራዊ ልፍንቲ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዘይኮነ ሚኒስየር ኣል ፈይሰል ጠቒሱ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣቐዲማ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘዋስነን ሃገራት ክትገብሮ ዝጸንሐት ተደጋጋሚ ርክባት፣ ኤርትራ ተገሊላ’ያ ጸኒሓ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 2015 ኵናት ኣንጻር የመን ክሳብ እትኸፍት ምስ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድና ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣዛሕቲላቶ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ልዕሊ የመን ኵናት ኣብ ዝኸፈተትሉ፣ ኤርትራ ኣባል ኪዳን እቲ ብስዑዲን ብሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ልፍንቲ 31 ሃገራት ብምዃን፣ ነዘን ሃገራት ናይ ሎጂስቲኪን ካልእ ወትሃደራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ምሃብ ትርከብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Ambasager 4 years ago

    Etien 8 hagerat men eyen