ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ከባቢ ሓይሊ ኣየር ሓያል ነትጕ ኣጋጢሙ

Radio Erena: 15 July 2021

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሓይሊ ኣየር ሓያል ነትጕ ከምዘጋጠመ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ነትጕ፣ ሓያል ባርዕን ትኪን ከምኡ ድማ ንሰዓታት ዝቐጸለ ምፍንጃራት ከምዘስዓበ ተገሊጹ።

ተኸዚኑ ዝነበረ ኣጽዋራት’ዩ ተፈንጂሩ ዝበለ ኣፈኛ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ፣ ብርጋዴር ጀነራል፣ ቱርኪ ኣል ማልኪ፣ መበገሲኡ ሓደጋ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ’ውን እቲ ጀነራል ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር ኣብ ኣጽዋራት ይኹን ካልእ ንብረት ዘስዓቦ ዕንወት ኣየመልከተን።

እቲ ምፍንጃር ኣጽዋራት ዘጋጠመሉ ከባቢ፣ ኣብ ጥቓ’ቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደበራት ሓይሊ ኣየር ስዑዲ ዝርከብ ካርጂ ከባቢ ኮይኑ፣ ሚሳይላት ዝርከቦ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ኣስታት 2500 ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣመሪካ ዝርከብሉ መዓስከር’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0