ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ልዕሊ 100 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ሰጕጓ

Radio Erena: 11 February 2021

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣስታት 100 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከምዝሰጎጎት ተሓቢሩ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ብመርከብ ባጽዕ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፣ መብዛሕቶም መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ኮይኖም ካብ ጂዛን፣ ጂዳ፣ ደማምን ሪያድን ብፖሊስ ተታሒዞም ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ዝጸንሑ ምዃኖም፣ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ኣብ ዝርከብ፣ ከም መወሸቢ ማእከልት ዘገልግል ቤት ትምህርቲ ተታሒዞም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ መንበሪ ፍቓዶም ዝወደቐ ኣማኢት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዙሓት ካብኣቶም እታ ሃገር ብዘይማእሰርቲ ክወጹ ንዝሃበቶም ዕድል ተጠቒሞም ናብ ሱዳንን ግብጽን ክወጹ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0