ስዑዲ ዓረብ፣ ኣስታት 5 ሚልዮን ወጻእተኛታት ንምስጓግ ትውጥን

Radio Erena: 21 March 2017

Saudi to Ex

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ኣስታት 5 ሚልዮን ወጻእተኛታት ንምስጓግ ውጥን ከምዘለዋ ጋዜጣታት እታ ሃገር ሓቢረን።

ቤት ምኽሪ ስዑዲ ዓረብ (ሹራ ካውንስል) ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ስዑዲ እናሰርሑ ዝነብሩ ዘለዉ ወጻእተኛታት ክጥረዙ ዝብል እማመ ከምዘቕረበ ዝገለጻ እተን ጋዜጣታት፣ ቅድሚ እዚ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ብወለንትኦም ናብ ዓዶም ንዝምለሱ ካብ 29 መጋቢት ኣትሒዙ ናይ 90 መዓልታት ዕድል ተዋሂብዎም ከምዘሎ ጠቒሰን።

ኣብዚ 90 መዓልታት ብወለንትኦም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝወጹ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ኣብ ካልእ እዋን ብሕጋዊ መንገዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ዝሓበረ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ድማ፣ ነዚ ናይ 90 መዓልታት ዕድል ዘይተጠቕምሉ ግና ተታሒዞም ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር ተወሲድሎም ብሓይሊ ምስ ተሰጉ፣ ብሕጋዊ መንገዲ’ውን ይኹን ናብ ስዑዲ ክምለሱ ከምዘይክእሉ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ፓኪስታን፣ ባንግላዲሽን ፊሊፒንስን ዝርከብዎም ሚልዮናት ወጻእተኝእታት እናገፈፈት ነናብ ዓዶም ከምዝጠረዘት ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብ ኣቐዲማ’ውን እቶም ብሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ዘለዉ ወጻእተኛታት፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ወርሓዊ ገንዘብ ክኸፍልሉ ዝብል እማመ ምውጽኣ ዝዝከር’ዩ።

በዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ እማመታት፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሚልዮናት ወጻእተኛታት ክጽለዉ’ዮም።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0