ስዑዲ ዓረብ፣ ኣስታት 300 ወትሃደራውያን መኮንናትን ሰበ ስልጣን ተኣሲሮም

Radio Erena: 17 March 2020

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ወትሃደራውያን መኮንናት፣ ሓለፍቲ ጸጥታን ሰበ ስልጣንን ዝርከብዎም ኣስታት 300 ሰባት ኣሲራ።

እታ ሃገር ብ15 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፣ ምእሳር እዞም ኣማኢት ሰበ ስልጣን ምስ ብልሽውናን ምጥፍፋእ ናይ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላርን ዝተሓሓዝ ምዃኑ’ያ ጠቒሳ።

እንተኾነ፣ ንግስነት ካብ ኣቡኡ ንምርካብ ድሉው ዘሎ ወራስ ዓራት መሓምድ ቢን ሳልማን መሓመድ፣ መቐጸልታ ናይቲ ንስልጣኑ ኣስጋእቲ ዝኾኑ ንጉሳዊ ቤተሰብን ሰበ ስልጣናትን ናይ ምሕሓይን ምርዓድን ስጉምታት ምዃኑ ሓያሎ ወገናት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ወራሲ ዓራት ንዝነበረ ናይፍ ቢን ዓብደልዓዚ ኣልስዑድ ዝርከቦም 20 ላዕለዎት ኣባላት ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ምእሳሮም ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ 2017፣ ኣብ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር ጽልዋ ኣለዎም ዝተባህሉ ሰብ ጸጋን እባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝተኣስሩን ቢልዮናት ዶላራት ከፊሎም ከምዝወጹን ኣይርሳዕን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    መቸም ዓለምና ካብ ዲክታተራውያን መራሕቲ ተናጊፋ ማለት ዘበት ዩ ወይ ሱዕሳውያን ጡልቑያት ክአ ወትሃደራት ትአሲሮም ተባሂሎም ይዝረበሎም እሎ ፡ዓለም ዒንክላሎ።