ስዑዲ ዓረብ፣ ንወጻእተኛታት ዘውጽኣቶ ሓድሽ ናይ ግብሪ ሕጊ ንኤርትራውያን ኣሻቒሉ

Radio Erena: 04 January 2016

Saudi La

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ወርሓዊ 100 ሪያል ስዑዲ ክኸፍሉ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ።

እዚ ካብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሕድሽ ሕጊ፣ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ከቢድ ሻቅሎት ፈጢሩ ከምዘሎ’ውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ ንኣብነት ሰለስተ ቆልዑ ንዘለዎ ኣቦ፣ ናይ ደቁን ናይ በዓልቲ ቤቱን ብድምር ወርሓዊ 400 ሪያል ክኸፍል ክግደድ’ዩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ማእከላይ ገምጋም ወርሓዊ እቶት ናይቶም ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኤርትራውያን ካብ 2500 ክሳብ 3000 ሽሕ ሪያል ከምዝግምገም ዝጠቕሱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ንገዛ ክራይን ካልእ መነባብሮን ዝኸፍልዎ ከቢድ ወጻኢታት፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ወርሓዊ ዝኽፍል 100 ሪያል ዘገድድ ሕጊ ምውጽኡ፣ ተወሳኺ ጾር ምዃኑ’ዮም ዘማርሩ።

እዚ ስዑዲ ዓረብ ኣውጺኣቶ ዘላ፣ ነፍሲ ወከፍ ተኣላዩ ኣባል ናይ ወጻኢ ስድራ ንወርሒ 100 ሪያል ክኽፈለሉ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ፣ በዚ ደው ከይበለ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሓደ ሚእቲ እናዛየደ ኣብ 2020 ዓ.ም ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ወርሓዊ 400 ሪያል ክኽፈሎ ምዃኑ ዝሕብር’ዩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ብዘይካ’ቲ ንኤምባሲ ኤርትራ ክከፍልዎ ዝግደዱ ክልተ ካብ ሚእቲ፣ መሓደሲ ፓስፖርትን ካልእን፣ እዚ ብንግስነት ስዑዲ ተኣዊጁ ዘሎ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ወርሓዊ 100 ሪያል ክኽፈል ዘገድድ ውሳኔ፣ ብዝበኣሰ ኣሻቒልዎም ይርከብ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብዘይካ’ቲ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ወርሓዊ 100 ሪያል ስዑዲ ክኸፍሉ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ምውጽኣ፣ መንበሪ ፍቓድ ወረቓቕቲ ንምሕዳስን ታሪፍ ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪክን’ውን ክትውስኸሉ ምዃና’ያ ትገልጽ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣስታት 75 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ሰነዳት ኤምባሲ ኤርትራ ካብ ሪያድ የመልክት።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0