ስዑዲ ዓረብ፣ ንሓጂን ዑምራን ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ኣመንቲ፣ ብሰንኪ ኮሮኖ ቫይረስ ንግዜኡ ደው ኣቢላቶ

Radio Erena: 28 February 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ንሓጂን ዑምራን ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ኣመንቲ ምስልምና፣ ብሰንኪ ስግኣት ኮሮኖ ቫይረስ ንግዜኡ ደው ከምዘበለቶ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ነቲ ኣብ እዋን ሚልዮናት ኣመንቲ ዝእከብሉ ሃምኖታዊ ጽምብላት ደው ከተብ ዝተገደደትሉ ምኽንያት፣ ናህሪ ኮሮና ቫይረስ እናሓየለ ይመጽእ ብምህላዉ’ዩ።

ብሰንኪ እዚ ብ ‘ኮቪድ 19 ‘ ዝጽዋዕ ዘሎ ከም ሰዓልን ረስንን ብምስዓብ ዝቐትል ሕማም፣ ዛጊት ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 2800 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ልዕሊ 82 ሽሕ ሰባት ድማ ተለኺፎም ኣለዉ።

እዚ ፈለማ ኣብ ቻይና ዝተራእየን ሕማም፣ ድሒሩ ኣብ ሃገራት ኤስያን ኤውሮጳን’ውን ሰጊሩ ከምዘሎ ተረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ሕማም ብደረጃ ዓለም ከይላባዕ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ክታበትን መድሃኒትን ንምርካብ ዝካየድ ዘሎ ምርምራት፣ ህዝቢ ዝእከበሉ ኣጋጣሚታት ምውሓድ፣ እቲ ሕማም ዝተራእየሉ ከባቢታትን ነበርትን ምውሻብን ዝኣመሰሉ ስጉምታት ክውሰድ ከምዘለዎ’ዮም ክኢላታት ሕክምና ዝመኽሩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0