ስዑዲ ዓረብ፣ ብትዊተር ነቐፌታ ሓዘል መልእኽቲ ዘርጊሑ ንዝበለቶ፣ ወዲ 72 ዓመት ሽማግለ ን16 ዓመታት ክእሰር ፈሪዳቶ

Radio Erena: 20 October 2022

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብትዊተር ነቐፌታ ሓዘል መልእኽቲ ዘርጊሑ ንዝበለቶ፣ ናይ ኣመሪካ ፓስፖርት ዘለዎ ዜጋኣ ን16 ዓመታት ክእሰር ከምዝፈረደቶ መርበባት ዜና ገሊጸን።

72 ዓመት ዝዕድሚኡ፣ ሰዓድ ኣልማዲ፣ 14 ናይ ትዊተር መልእኽታት ጥራይ ከምዝለጠፈ ዝገለጸ ወዱ፣ ኢብራሂም ኣልማዲ፣ ገለ ካብኡ፣ ኣብ ጀዳ ዘሎ ድኽነት፣ ጥንታዊት ከተማ መካ ዘላቶ ኩነታትን ብዛዕባ ብስዑዲ ኣብ ቱርኪ ዝተቐትለ ጋዜጠኛ ጀማል ቓሾጊን ከምዝርከቦ ጠቒሱ።

ሰዓድ ኢብራሂም፣ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ፍሎሪዳ፣ ኣማሓዳሪ ሓደ ትካል ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2021 ናብ ስዑዲ ዓረብ ክዛወር ኢሉ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድማ’ዩ ካብ ሪያድ ኮይኑ ብዝጸሓፎ ናይ ትዊተር መልእኽታት ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ።

ናይ ትዊተር መልእኽታት እቲ ወዲ 72 ዓመት ሽማግለ፣ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘይምርግጋእ ዝዕድምን ንሽበራውያን ዝድግፍን’ዩ ዝብለ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ን16 ዓመታት ክእሰር ውሳኔ ሂቡ።

ብጸቕጢ ኣመሪካ ወይ ድማ ብምሕረት እንተዘይተፈቲሑ ድማ፣ ዝተረፈ ዕድሚኡ ኣብ ማእሰርቲ ወዲኡ ከይመውት፣ ወዱ ኢብራሂም ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ስግኣቱ ገሊጹ።

ብስዑዲ ዓረብ ተዓሲቡ ኣብ ስለያ ተዋፊሩ ምንባሩ ዝተኸሰሰ ሓደ ካብ ክኢላታት መርበብ ትዊተር፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት እዚ፣ ብፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ካሊፎርንያ ገበኑ ከምዘረጋገጸ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0