ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኣመሪካ፣ ኣብ ጉዳይ መሰል እምነታት ዘትያ

Radio Erena: 13 September 2019

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ መሰል እምነታት ብምትኳር፣ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲን ወንጌላውያንን ኣብያተ ክርስትያን ኣመሪካ ዘተ ከምዘካየደት ተሓቢሩ።

እቲ ብ10 መስከረም፣ ኣብ ጂዳ ዝተኻየደ ዘተ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ዘለዋ ኣጠማምታ ንምቕያር ዝዓለመ’ዩ ተባሂሉ።

እቲ ዘተ፣ ኣብ ድሮ ዝኽሪ 18 ዓመት፣ ናይቲ ብስዑዳዊ ኦሳማ ቢንላደን ዝምራሕ ኣልቓዒዳ፣ ኣብ ኣመሪካ ዝፈጸሞ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምክያዱ፣ ተወሳኺ ትርጉም ከምዝህብ’ውን መርበባት ዜና ኣመሪካ ገሊጸን።

ነቶም ካብ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስትያን ኣመሪካ ዝተወከሉ መራሕትን ወንጌላውያንን፣ ኣብ ጀዳ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ተቐቢሉ ዘዘራረበ፣ ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን’ዩ።

ስዑዲ ዓረብን ኤርትራን፣ መሰል እምነታት ዘይክበረለን ሃገራት ዓለም ተባሂለን፣ ኣብ መዝገብ ኣመሪካን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን፣ ኣብ ቅድሚት ዝሰፈራ’የን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0