ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ይተፋነና

ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ይተፋነና

Radio Erena: 29 May 2017

Qatar Saudi

ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ከምዝርከባ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ሓማድ ቢን ኣል ታኒ፣ ብ23 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምምራቕ ወትሃደራዊ መኮንናት፣ ኣብ ጉዳይ ኢራንን እስራኤልን ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ምዃኑ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይእንፍቱ።

ኣሚር ቀጠር፣ ኣብ መግለጺኡ፣ ንፖሊሲ’ቲ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ስዑዲ ዓረን ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብምንቓፍ፣ ኢራን ኣብቲ ዞባ ናይ ምርግጋእ ሓይሊ ከምዘለዋ ጠቒሱ።

ቀጠር ምስ እስራኤል ዘለዋ ዝምድና’ውን ጽቡቕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ኣሚር ብተወሳኺ፣ ስዑዲ ዓረብ ካብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣምባሳደራቱ ክስሕብ ምዃኑ’ውን ኣጠንቂቑ።

ሸኽ ታሚም ዝሃቦ መግለጺ፣ ብቴሌቪዥንን ሬድዮን ኣይነበብ ደኣ’ምበር፣ ጽሑፍ ናይቲ መግለጺ ኣልጀዚራ ብእትርከቦ ማዕከናት ዜና ቀጠር ከምዝተለጠፈ’ዩ ተሓቢሩ።

ብኡ ንብኡ ማዕከናት ዜናታታ ከምዝተጠልፈን ከምዝተዓፈነን ዘረጋገጸት ቀጠር፣ ነቲ ፍጻሜ ተጻርዮ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ኣሚር ቀጠር፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስጢራዊ ውሽጣዊ ፖሊሲ እናገለጸ ብመንገዲ ማዕከናት ዜና ክዝርጋሕ ዘገረሞም ሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ፣ ዝተሰንዐ ከይከውን ስግኣቶም ይገልጹ።

እቲ ኣሚር ከምዚ ዓይነት መግለጺ እናሃበ ብመንገዲ ማዕከናት ዜና ክፍኖ እንተመሪጹ ግና፣ ቀጠር ፖለቲካዊ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመት’ዩ ዝሕሰብ ክብሉ ተንቲኖም።

ንምንቕስቓስ ሕውነት እስላምን ሓማስን እትድግፍ ዘላ ቀጠር፣ ኣቐዲማ ግብጺ ምስ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ክትሰሓሓብ ብምጽንሓ፣ ምምሕዳር ትራም ምስዛ ሃገር ንዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዳግመ ግምት ክገብረሉ ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0