ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን

ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን

Radio Erena: 25 September 2018

sudan saudi mil     ሓይልታት ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።

     እቲ ካብ 9 ክሳብ 20 መስከረም፣ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ልኡል ኻልድ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምድልዳል ዝህልዎ ረብሓ፣ ኣብ ናይ ደባይ ኵናትን ወትሃደራዊ ውሳኔታትን ተሞክሮታት ንምልውዋጥ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ስዑዲ ብርጋዴር ጀነራል ሳልሕ ኣል ዛህራኒ ሓቢሩ።

 

     እዘን ክልተ ሃገራት ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሱዳን ካብቲ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ወትሃድራዊ ልፍንቲ ከምዝሰሓበት ክግለጽ ድሕሪ ምጽንሑ’ዩ።

     ኣዛዚ ናይቲ ኣብ የመን ተዋፊሩ ናይ ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ብርጋዴር ጀነራል ሓፋዝ ኣል ሓጅ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ የመን ከምዝጸንሕ ኣረጋጊጹ።

     ስዑዲ ዓረብ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ሱዳን ዘካየደቶ ወትሃደራዊ ልምምድ ምስ ኣመሪካ’ውን ብነፈርቲ ዝተሰነየ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምምድ ኣካይዳ’ያ።

     እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን ኣብ ዘካየድኦ ደብዳብ ብውሕዱ 18 ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝቐተላ ተገሊጹ።

     እዘን ክልተ ሃገራት ንወደብ ሖዴይዳ ካብ ሑቲ ንምምንዛዕ ካልእ ክፋል ወትሃደራዊ ስርሒት የካይዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0