ስዑዲ፣ ኢቓማ ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራ ካብታ ሃገር እንተወጺኦም ዝኾነ መቕጻዕቲ ከምዘይትብይነሎም ኣፍሊጣ

Radio Erena: 10 February 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ (ኢቓማ) ዘይብሎም ይኹኑ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓዶም ካብ ዝወድቕ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ኤርትራውያን፣ ኣብዘን ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተደልዮም፣ ዝኾነ መቕጻዕቲ ከምዘይትብይነሎም ኣፍሊጣ።

ዖካዝ ዝተባህለት ጋዜጣ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረበቶ ዜና፣ ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝጸንሐ፣ ብዘይ መቕጻዕቲ ናይ ምውጻእ ምሕረት ዝተገብረሎ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ናይጀርያን ቻድን ይርከብዎም።

ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዛ ኣብታ ሃገር ልዕሊ ዝነብሩ ወጻተኛታት ብዘተኣታተወቶ ሕግታት፣ ኣማኢት ኤርትራውያ ናብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ካልኦት ሃገራትን ክወጹ ክግደዱ እንከለዉ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ግና፣ ክወርዶም ካብ ዝኽእል መቕጻዕቲ ብምስጋእ ኣብታ ሃገር ተዓጎቶም’ዮም ዝርከቡ።

ብመሰረት እዚ ንሰለስተ ኣውራሕ ዝጸንሐ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ሓያሎ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኤምባሲታቶም ብምዃድ ግዝያዊ ናይ ጉዕዞ ሰነደ ወይ ‘ለሰ ፓሰ’ ይሓቱ ከምዘለው ምንጭታት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

እንተኾነ ዝበዝሑ ካብቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያውያን፣ ነናብ ዓዶም ንምምላስ ድሌት ከምዘይብሎም እቶም ንጭታት የመንልክቱ።

ልዕሊ 32 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ስዒዲ ዓረብ፣ ኣብ ህንጻ፣ ናይ ገዛ ስራሕ፣ ትካላት ንግዲን ካልእን ዝተዋፈሩ ኣስታት 12 ሚልዮን ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ኣእንጊዳ ትርከብ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0