ስዑዲን ጂቡቲን ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ንዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ከዕብያ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 18 February 2020

ስዑዲ ዓረብን ጂቡቲን ኣብ መንጎአን ዘሎ ንግዲን ወፍርን ንምዕባዩ ከምዝተሰማምዓ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ ላዕለዎት ሚኒስተራት ንግዲ፣ ወፍርን መጓዓዝያን ክልትኤን ሃገራት፣ ብቀዳም 16 ለካቲት ኣብ ሪያድ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ’ዩ።

ኣብቲ ርክብ 25 ዝተፈላለዩ ስምምዓት ክኽተሙ እንከለዉ፣ ሓደ ካብኡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምኽፋት ዘኽእላ’ዩ።

ኣብ 2018ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ጂቡቲን ዝተኻየደ ንግዳዊ ልውውጥ 488 ሚልዮን ዶላር ወይ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ከምዝነበረ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብዝምልከት ንምዝርራብ ንጉስ ሳልማን ከምዝዓደሞ እንተዘይኮይኑ፣ ዘተኮሩሎም ነጥብታት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

እቲ ንጉስ፣ ኣቐዲሙ ንመራሕቲ ኤርትራን ጂቡቲን ንምሽምጋል ተበግሶታት ከምዝወሰደ ዝፍለጥ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0