ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም Sound of Torture  ኣብ መደበራት ቴሌቪዥን ኤውሮጳ ትቐርብ ኣላ

ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም Sound of Torture ኣብ መደበራት ቴሌቪዥን ኤውሮጳ ትቐርብ ኣላ

Radio Erena : 19 September, 2014

Sound of Tor

Sound of Torture ማለት ድምጺ ስቅያት ዘርእስታ፣ ንስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም ኣብ መደበራት ቴሌቪዥን ኤውሮጳ ትርአ ኣላ።

እዛ ዘስካሕክሕ ስቃይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እተርኢ ናይ ኣስታት ሓደ ሰዓት ደኩመንታሪ ፊልም፣ ብቋንቋታት ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ዝፍኖ ኣብ ኤውሮጳ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደበራት ቴሌቭዥን ዝኾነት ‘ኣርተ’ ብ17 መስከረም ንምርኢት ክትቐርብ እንከላ፣ ክሳብ 24 መስከረን ንሓደ ሰሙን’ውን ክትጸንሕ’ያ።

ድምጺ ስቅያት፣ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስቃይ ኤርትራውያን ዝንጸባረቀላ ብምዃና’ውን ቆልዑን ትሕቲ ዕድመን መታን ከይርእዩ’ዋ፣ ካብ ፍርቂ ለይቲ ንደሓር’ያ ንምርኢት ትቐርብ ዘላ።

እታ ደኩመንታሪ ፊልም፣ ኣዳላዊት መደብ ስደተኛታት ኣብ ሬድዮ ኤረና ሜሮን እስጢፋኖስ፣ ንኩነታት እቶም ኣብ ሲናይ ዝሳቐዩ ኤርትራውያን ንእትግበብሮ ዘላ ምክትታልን ሓገዝን ብምትኳር ብጋዜጠኛን ኣዳላዊት ደኩመንታሪ ፍልም ከረን ሻዮ ኣብ 2013ዝተዳለወት’ያ።

 

እዛ ንስቃይ ኤርትራውያን እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም Sound of Torture ኣብ እስራኤልን ሆላንድን ኣብ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ፊልም ፈስቲቫል’ውን ንምርኢት ምቕራባ ይፍለጥ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0