‘ስምምዕ ንዘተ ሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ክወጽእ ይጽውዕ’ዩ።’ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ

Radio Erena: 17 November 2022

ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲን ዘተ ንሰላምን ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ ከምኡ ድማ ሓይልታት ኣምሓራን ዓፈርን ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዝጽውዕ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል ስልጣን፣ ብ15 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ናይ ቴሌ-ዋዕላ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ዝኸተምሉ ስምምዕ ንምትግባር ድሉዋት ምህላዎም ከምዘረጋገጹ ብምጥቃስ፣ ንዝዕንቅፍዎ ኣካላት፣ ኣመሪካ ተሪር ማዕቀብ ከተንብር ከምእትኽእል ኣንፊቱ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ተማእኪሉ ዝካየድ ቀጥታ ዝርርብ ንዘተ ሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ ንምዕዋት፣ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትርከብ ኣምባሳደር ኣመሪካ፣ ብዝልዓለ ትዅረት ክሰርሑ ምጽንሖም ኣገንዚቡ።

ንትግባረ እቲ ስምምዕ ‘ውን ብዕቱብ ክከታተልዎ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ሚሊሻታት ኣምሓራን ዓፈርን፣ ካብ ትግራይ እንተዘይስሒቦም ኣመሪካ እንታይ ስጉምቲ ክትወስድ’ያ? ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ፣ ኣብ ዝመለሰሉ ድማ፣ እቲ ስምምዕ ነዚ’ውን ከምዝጽውዕ ብምርግጋጽ፣ ነዚ ንዝዕንቕፉ ኣመሪካ እትኽተሎ ፖሊሲታት ማዕቐብ ንምትግባር ዓይና ከምዘይትሓሲ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ ስምምዕ፣ ብዘይካ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክስሕቡ ስለዝበል፣ እዚ ብክልቲኦም ወገናት ርዱእ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0