“ስልጣነይ ኣየረክብን” ፕረዚደንት ጋምብያ

Radio Erena: 23 December 2016

Gamb

ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተሳዕረ፣ ፕረዚደንት ጋንብያ ያሕያ ጃምህ፣ ስልጣኑ ኣብቲ ምርጫ ንዝተዓወተ ኣዳማ ባሮው ከረክብ፣ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክግበረሉ ንዝጸንሐ ጸቕጢ ብምጉሳይ፣ ካብ ስልጣኑ ከምዘይእለ ኣረጋጊጹ።

እቲ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ን22 ዓመታት ንጋምብያ ዝመርሐ ያሕያ ጃምህ፣ ኣብ ምርጫ ስለዝተሳዕረ፣ ስልጣኑ ነቲ ዝተዓወተ ዜጋ ከረክብ፣ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጽዑቕ ዘተ’ዮም ከካይድሉ ቀንዮም።

እንተኾነ፣ ያሕያ ጃምህ ብ21 ሕዳር ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ስልጣኑ ንዝኾነ ካልእ ከምዘየረክብ ኣፍሊጡ።

ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ጋምብያ፣ ያሕያ ጃምህ፣ ኣብ ምርጫ ተሳዒሩ ክነሱ፣ ካብ ስልጣን ምእላይ ብምሕንጋዱ፣ ኣብታ ሃገር ናዕብን ግጭትን ከይጎሃሃረ ተሰጊኡ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ምርጫ ከምዝተሳዕረ ብምጥቃስ፣ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ካብ ዘይደለዮ፣ ክእለ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኔሩ’ዩ።

ነቲ ኣብቲ ምርጫ ዝተዓወተ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣዳማ ባሮው’ውን እንቋዕ ሓጎሰካ ክብል ወግዓዊ መግለጺ ሂቡ’ዩ።

እንተኾነ፣ ያሕያ ጃምህ ሓሳቡ ብምቕያር፣ ኣብቲ ምርጫ ምድንጋር ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ካብ ስልጣኑ ከምዘይወርድን፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ደጊሙ ክካየድን’ዩ ክጽውዕ ጸኒሑ።

እቲ ቅድሚ 22 ዓመታት ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ያሕያ ጃምህ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ተኾይጦም፣ ስልጣኖም ንህዝቢ ምርካብ ካብ ዝሓንገዱ 10 ዕሉላት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ካብቶም ብዘይዝኾነ ምርጫ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዘለዉ ቀዳሞት ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃኑ፣ በዚ ክብሪ’ዚ ንፕረዚደንት ጋምብያ ያሕያ ጃምህ በሊጹ ይርከብ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0