ሱዳን 29 ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ስርዓት በሺር ነበር ንሞት ተፈሪዶም

Radio Erena: 02 January 2020

ኣብ ሱዳን፣ ኣንጻር ስርዓት ኣልበሺር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ወዲብኩም ብዝብል ሓያሎ ሰባት ብምቕታሎም ዝተኸሰሱ 29 ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ብሞት ክቕጽዑ ተፈሪዶም።

እቶም ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ነበር፣ ኣብ ተቓውሞ ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮ ዝግለጽ፣ ወዲ 32 ዓመት መምህር ኣሕመድ ኣልኽያር፣ ኣብ ከሰላ ካብ ዝርከብ ገዝኡ ኣሲሮም ድሕሪ ምውሳዶም፣ ብሕሱም መግረፍቲ ቀጥቂጦም ከምዝቐተልዎ’ዩ ቀዳማይ ክሲ ቀሪብሎም።

እዚ ኣብ ልዕሊ’ዞም ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ዝተዋህበ ናይ ሞት ብይን፣ ፍትሒ ከምዝተዓወተ ዘረጋግጽ’ዩ ክብል ማሕበር መማህራን ሱዳን ሓጎሱ ገሊጹ።

ኣብቲ ቅድሚ ሳልስቲ ዝወዓለ መጋብኣያ፣ ካልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን፣ ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ዓመታት ክእሰሩ ክፍረዶም እንከሎ፣ ሸውዓተ ድማ ካብ ገበን ናጻ ተባሂሎም ተፋንዮም።

ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ንምእላይ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝተጎሃሃረሉ፣ እሙናት ናይቲ ስርዓት ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ’ዩ ዝግለጽ።

ብብልሽውና ንክልተ ዓመታት ክእሰር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈርዶ ፕረዚደንት ነበር ኣል በሺር’ውን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዝተፈጸመ ቅትለትን ካልእ ግፍዕታትን ብምእዛዙ፣ ካልእ ክሲ ተመስሪትዎ ኣብ መስርሕ ምጽራይ ይርከብ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0