ሱዳን ካብ ጸሊም መዝገብ መወልቲ ሽበራውያን ሓይልታት ትወጻሉ መንገዲ ብዝምልከት ዘተ ተኻዪዱ

Radio Erena: 09 August 2020

ሱዳን ካብ ጸሊም መዝገብ መወልቲ ሽበራውያን ሓይልታት ትወጻሉ መንገዲ ብዝምልከት ዘተ ተኻዪዱ።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማይክ ፓምፐዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴለፎን ርክብ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሓድሽ መንፈስ ዝጅምር ዘሎ ዝምድና ዝያዳ ንምድልዳሉ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝነበራ ኣረኣእያ ዝቕየረሉ እዋን ከምዝኣኸለ ኣመልኪቱ።
ዓብደላ ሓምዶክ ብወገኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ምስ ማይክ ፓምፐዮ ዝተኻየደ ዘተ ውጽኢታዊ ምንባሩን፣ ሱዳን ካብቲ ጸሊም መዝገብ ትወጻሉ መስርሕ ብዝምልከት ከምዝተዘርበሉን ኣመልኪቱ።
ማይክ ፓምፐዮ፣ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ፣ ንሱዳን ካብ ጸሊም መዝገብ መወልቲ ሽበራውያን ጉጅለታት ክትወጽእ ፍሉይ ጻዕርታት ከካይድ ዝጉስጉስ መደረታት ክህብ ከምዝጸንሐ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣመሪካ፣ ምስ ዑመር ኣልበሽር ብዝተሓሓዝ ጉዳይ፣ ኣብ 1993 ዓመተ ምህረት እያ ንሱዳን ኣብ ጸሊም መዝገብ መወልቲ ሽበራውያን ሓይልታት ኣስፊራታ። እዝን ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ዝተተግበሩ ማዕቀባትን ከኣ ንቁጠባ ሱዳን ብሕሱም ሃስዩዎ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0