ሱዳን ኣብ ዶባታ እትገብሮ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ፣ ነቲ ዞባ ናብ ሓድሽ ወጥሪ ከሰጋግሮ እዩ ክትብል ኢትዮጵያ ከሲሳ

Radio Erena: 22 May 2022
ሱዳን ኣብ ምብራቓዊ ዶባታ እትገብሮ ዘላ ሓድሽ ምንቅስቓስ፣ ነቲ ዞባ ናብ ሓድሽ ወጥሪ ከሰጋግሮ እዩ ክትብል ኢትዮጵያ ከሲሳ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኣትዩ ትሕተ ቅርጺ ይሃንጽ ብምህላዉ፣ ንዝፈጥሮ ዘሎ ምቅይያር ቅርጻ መሬት ክሕተተሉ እዩ ክብል ከሲሱ።
እቲ ሚኒስተር ብዓርቢ 20 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዶብ፣ ሰላማዊ መዕረፊ መታን ክርከበሉ፣ ዘተ ክቕጽል ኣብ ዝተሰማማዕናሉ እዋን’ዩ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ዶባትና ጥሒሱ ትሕተ ቅርጺ ዝሃንጽ ዘሎ ክብል ክሲ ኣቕሪቡ።
ከምዝፍለጥ፣ ሰበስልጣን ዞባ ብሉ ናይል ናይ ሱዳን፣ ምስ ሰበስልጣን ቤንሻንጉል ጉሙዝ ናይ ኢትዮጵያ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣከራኻሪ ከባቢታት፣ ብሓባር መፍትሒ ክረኽቡሉ፣ ስምምዕ ፈሪሞም እዮም።
ሰራዊት ሱዳን፣ ሰላማዊ ህዝቢ ካብ ዝነብረሉ ከባቢታት ሰጒጎም፣ ንብረቶም ድማ ኣዕኒዮም ክብል ዝኸስስ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ሱዳን ንሓይልታት ትግራይ ደገፍ ይገብር ኣሎ ክብል እውን ተደጋጋሚ ክስታት ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ። መንግስቲ ሱዳን፣ ንኩሉ እቲ ክስታት ናይ ኣሉታ ምላሽ ይህበሉ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0