”ሱዳን ንህወሓት ብምድጋፍ ጸጥታ ሃገር ትዘርግ ኣላ” ሰበስልጣን ኢትዮጵያ

Radio Erena: 16 May 2021

ሱዳን ንህወሓት ብምድጋፍ ጸጥታ ሃገር ትዘርግ ኣላ፣ ክብል ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከሲሱ።

ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ዕጡቓት፣ ናብ ኢትዮጵያ ሶሊኾም ብምእታው፣ ነቶም ኣብ በዓትታት ተሓቢኦም ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ከድሕኑ ፈቲኖም ክብል ከሲሱ።

ብመሰረት ቃል’ቲ ጀነራል፣ እቶም ብምሉኦም ከምዝተቐትሉ ዝገለጾም ዕጡቓት፣ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ናብ መራሕቲ ህወሓት ዝተላእከ ደብዳበ፣ መድሃኒታት ከምኡ’ውን መራኸቢ መሳርሒታት ከምዝተረኽቦም ገሊጹ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሱዳንን ዝነብሩ ናይ ቀደም ኣባላት ህወሓት፣ ነቶም 320 ዕጡቓት ኣብ ምውዳብ፣ ምስልጣንን ምዕጣቕን ተሳቲፎም እዮም ክብል ጀነራል ተስፋየ ይኸስስ።

ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ኩነታታ ከይትረጋጋእ መታን ሱዳን ንህወሓት ከም መሳርሒ ትጥቀመሉ ኣላ ዝብል ምዕዝምዛማት ካብ ሰበስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

 

 

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0