ሱዳን ሰራዊታ ካብ የመን ክትስሕብ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ሓቲቶም

ሱዳን ሰራዊታ ካብ የመን ክትስሕብ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ሓቲቶም

Radio Erena: 02 May 2018

Sudan army

መንግስቲ ሱዳን ኣብ የመን ኣዋፊርዎ ዘሎ ሰራዊት ብዝቀልጠፈ ክስሕብ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ሓቲቶም።

እቶም ወከልቲ ናጻ ሰልፍታት ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ፣ ሱዳን ኣብ ጉዳያይ ካልእ ሃገር ጣልቓ ምእታዋ ብምውቃስ፣ ኣብ የመን፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ንጹሃት ሰባት ንዝቀትል ዘሎ ኵናት ኣካሉ ምዃና ኮኒኖም።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምርሑ ሓይልታት ልፍንቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ የመን ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፣ ኣብ መርዓ ዝነበሩ ብውሕዱ 30 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ተቓሊዑ’ዩ።

ኣብ የመን ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ኣዋፊራ እትርከብ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራታ ከቢድ ክሳራታት ይወርድ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ እኳ እንተተገልጸ፣ ሰራዊታ ከምዘይትስሕብ ኣቐዲማ ኣፍሊጣ’ያ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣምሳያ ናይቲ ሱዳን ኣብ ጉዳይ የመን እትገብሮ ዘላ ምትሕብባር ቢልዮናት ዶላራት ናብ ማእከላይ ባንክ እታ ሃገር ሰጋጊረን’የን።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0