ሱዳን ምስ ደቡብ ሱዳን ዓጽያቶ ዝጸንሐት ዶብ ከፊታ

ሱዳን ምስ ደቡብ ሱዳን ዓጽያቶ ዝጸንሐት ዶብ ከፊታ

Radio Erena: 16 February 2018

sudan south sudan

ሱዳን ምስ ደቡብ ሱዳን ንሸውዓተ ዓመታት ዓጽያቶ ዝጸንሐት ዶባት ከምዝኸፈተት ሚኒስተር ንግዲ እታ ሃገር ሓተም ኣል ሳር ሓቢሩ።

ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንሕጋዊ ንግዲ ክኽፈት ዝተወሰነሉ ብእትዛዝ ፕረዚደንት በሽር ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር፣ ምኽፋት እቲ ዶባት፣ ንኮንትሮባንዳን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ክገትኦ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ሱዳን ካብ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ኣትሒዛ ዓጽያቶ ዝጸንሐት ዶባት ትኸፍት ዘላ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ምስ ኩለን ጎረባብቲ ብዶባት ዝካየድ ንግዲ ክቕጽል ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳኔ’ዩ።

 ፕረዚደንት ሱዳን ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብዶባት ዝካየድ ሕጋዊ ንግዲ ክቕጽል እኳ እንተኣዘዘ፣ ካብ 5 ጥሪ ተዓጽዩ ዘሎ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንንግዲ ይኹን መጓዓዝያ ዕጹው ምህላዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት የረጋግጹ።

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ዝዓጸወትሉ ምኽንያት፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ኮንትሮባንዳ ንግድን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ገንዘብን፣ ኤርትራን ግብጽን ዝመስረትኦ ስልታዊ ዝምድና ተወሳኺ ስግኣት ስለዝፈጠረላ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0