ሱዳን፣ ተወስኽቲ 400 ወትሃደራት ናብ የመን ኣዋፊራ

ሱዳን፣ ተወስኽቲ 400 ወትሃደራት ናብ የመን ኣዋፊራ

Radio Erena: 10 November 2015

Sudan Army

እታ ሃገር ተወሳኺ ሰራዊት ናብ የመን ተዋፍር ዘላ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ምስ ንጉስ ሳልማን ኣብ ሪያድ ዘካየዶ ርክብ’ዩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብቲ ምስ ንጉስ ሳልማን ዘካየዶ ዝርርብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት የመን፣ ጸጥታን ቀይሕ ባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝዘተየ ኣይርሳዕን።

ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ሱዳን ኣብ ጎኒ ኣሃዱታት ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝስልፈ ሰራዊት ናብ የመን ምልኣኻ፣ ስዑዲ ዓረብ ናይ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ከተበርክተላ ስምምዕ ከቲመን።

 

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ኪዳን ሓይልታት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ የመን መጥቃዕቲ ካብ ዝፍልም ንጉስ ሳልማን፣ ምስ ብምሉኦም መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ርክባት ኣካይዱ።

ኤርትራ፣ ጅቡትን ሶማልያን፣ ክሊ ማየንን ኣየርን ብምፍቓድ ምስቲ ክዳን ክተሓባበራ እንከለዋ፣ ሱዳን ከኣ ኣብ ርእሲኡ ሰራዊታ ኣዋፊራ ኣላ።

እዞም ሕጂ ናብ ከተማ ዓደን ኣትዮም ዘለዉ 400 ወትሃደራት ሱዳን፣ ምስቲ ኣቐዲማ እታ ሃገር ዘዋፈረቶ 500 ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ክጽንበሩ’ዮም።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0