ሱዳን፣ ፖለቲከኛታት ኣብ ሰራዊት ጣልቃ ካብ ምእታው ክቑጠቡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 16 January 2023

ፖለቲከኛታት ሱዳን፣ ኣብ ሰራዊት ጣልቃ ካብ ምእታው ክቑጠቡ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣጠንቂቑ።

ጀነራል ኣልቡሃን ፣ ብ15 ጥሪ፣ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ፖለቲከኛታት ሱዳን ኢዶም ኣብ ጉዳያት ሰራዊት ካብ ምእታው ክእክቡ ብምጽዋዕ፣ ሰልፍታቶም ንምጽጋን ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

ሰራዊት፣ ካብ ምትእትታው እቲ ብኣሕዋት ኣስላም ዝፍለጥ ውዳበ ይኹን ጸጋማውያን ወገናት ሓራ ኮይኑ፣ ኣብ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ክተሓጋገዝ’ዩ ዝበለ እቲ ጀነራል፣ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ወትሃደራዊ ጉጅለን ፖለቲካውን ሓይልታትን ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ንሱዳን ካብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከውጽኣ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ኣስሚርሉ።

ነዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ንዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዝመርሕ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ፖለቲከኛታት ኣብ ሰራዊት ጣልቃ ከይኣትዉ ዘጠንቀቐ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዝተጀመረ ዘተ ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ በጺሑ ምህላዉ ኣብ ዝተሓበረሉ እዋን’ዩ።

ብመሰረት እቲ ዘተ፣ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ብዝበጽሐኦ ስምምዕ መሰረት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመርጻን፣ ንክልተ ዓመታት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውምን’ዩ።

እቲ ዘተ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ናይ መሰጋገሪ ፍትሒ ክቐውም፣ ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ዳግመ ስርርዕ ክግበረሉ፣ ዳግመ ግምገማ ስምምዕ ሰላም ክህሉ፣ ተሪፉ ዘሎ መሓውራት ስርዓት በሺር ጠቕሊሉ ክመሖ፣ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክናደየሉን ኣብ ዝብሉ ሓሙሽተ ነጥብታት’ውን ኣተኵሩ።

እቲ ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ በጺሑ ምህላዉ ዝንገረሉ ዘሎ ዘተ፣ ብሓጎስ ከምእተቐበለቶ ዝገለጸት ኣመሪካ፣ ኣብቲ ስምምዕ ዘይተጸንበራ ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ክሓብርኦ ተማሕጺና።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0