ሱዳን፣ ዝተጠርጠሩ ወትሃደራውያን መኮንናት ተኣሲሮም

Radio Erena: 16 November 2022

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ሓያሎ ዝተጠርጠሩ ወትሃደራውያን መኮንናት ከምዝኣሰሩ መርበባት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

መብዛሕቶም እቶም ዝተኣስሩ መኮንናት፣ ብስም ‘ሓይሊ ሓርበኛታት’ ኣብ ዝጽዋዕ ምንቅስቓስ ስለዝተወደቡ ምዃኖም ‘ዩ ተገሊጹ።

እቲ ምንቅስቓስ ከምዝተመስረተ ብወግዒ ብ13 ሕዳር ምስ ተሓበረ፣ ሒደት ሰዓታት ጸኒሖም’ዮም ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ነቶም መኮንናት ክኣስርዎም ጀሚሮም።

ካብቶም ኣብቲ ዕለት’ቲ ዝተኣስሩ መኮንናት፣ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ነበር፣ ካልድ ሰዓል ኣል ሳዋርሚ ከምዝርከቦም ሱዳን ትሪቡን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ካልኦት ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ ወትሃደራውያን መኮንናት ነበር’ ውን ይህደኑ ኣለዉ።

ምንቅስቓስ ዝተጠረቱ ወትሃደራውያን መኮንናት ሱዳን፣ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ንምቕዋም ዝዓለመ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይገልጹ።

እቶም መኮንናት፣ ስምምዕ ጁባ ንኽብርታት ህዝቢ ሱዳን ዘዋርድን ንዕጡቓት ተቓወምቲ ዳርፉር ድማ ዝያዳ ስልጣን ዝህብን’ዩ ብምባል ከምዝቓወምዎ እቶም ወገናት የረድኡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0