ሱዳን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንምግታእ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ረኺባ

ሱዳን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንምግታእ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ረኺባ

Radio Erena: March 4, 2014

UN

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ሱዳን ንዘጋጥም ዘሎ ዘይሕጋዊ መስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግትእ ዝዕላምኡ ሓገዝ ንመንግስቲ ሱዳን ከምዘበርከተ ተገሊጹ።

እቲ ዓቕኑ ብልክዕ ዘይተገልጸ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ነቶም ኣብ ዶባ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ምቑጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ዝነጥፉ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ካልኦት ኣካላትን ክስላዕ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

 ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን፣ ባበከር ኣሕመድ ዲግና ብዝዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ሱዳን ጸጥታን ውሕስነትን ናይተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ተዓቝቦሙለን ዘለዉ መዓስከራት ንምርግጋጽ ምስ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ክሰርሕ ምዃኑ ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ እቲ ዝበዝሐ ኣብቲ መዓስከራት ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ኣባላት ጸጥታ ሱዳንን ኤርትራን እቶም ኣውራ ተሓባበርቲ ኣብ መሸጣን ምስግጋርን ስደተኛታት’ዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ይፍለጥ።

ባይቶ ሱዳን ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ብምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ብሞት ክቕጻዕ ዝብል እማመ ከምሕለፈ ይዝክረ።

ኣማሓዳሪ ናይቲ ብብዝሒ ምስግጋርን መሸጣን ደቒ ሰብ ዝርኣየሉ ዞባ ከሰላ መሓመድ ዮሱፍ ኣደም ብወገኑ፣ ስደተኛታት ናብ መዓስከር ሸገረብ ቅድሚ ምእታዊኦም ኣብ ዘሎ ከባቢታት ወደ ኣልሒሉ፣ ሓምዳይትን ገዳርፍን ውሕስነት ዘለዎ መስርሕ ምጽራይ ክካየደ ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ተማሕጺኑ።

ኣብቲ መስርሕ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ክሳተፋ ከምዝሓተተ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሱ።

ኣብ ሱዳን ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ዝመጹ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሱደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቀንዲ ግዳያት እዚ ኣብ ሲናይ ዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ግና ኤርትራውያን’ዮም።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0