‘ሱዳን፣ ካብ እስራኤል ክፍነወላ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ድልውቲ’ያ’ ሚ.ም ሱዳን

‘ሱዳን፣ ካብ እስራኤል ክፍነወላ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ድልውቲ’ያ’ ሚ.ም ሱዳን

Radio Erena: 13 August, 2014

Al swarmi

ሱዳን ካብ እስራኤል ክፍነወላ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ተዳልያትሉ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ነዚ መግለጺ’ዚ ዝሃበ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ኮለነል ኣል ዋራሚ ካልድ ስዒድ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሱዳን ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት ዝተገልጸ እስራኤል፣ ብሕጂ’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከተካይድ ትኽእል’ያ ዝብል ወረ ይጋዋሕ ብምህላዉ’ዩ።

እስራኤል ኣብ ሱዳን ናይ ነፈርቲ ምክያዳ፣ ካብ መንግስቲ እስራኤል ይኩን መንግስቲ ሱዳን ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይተዋህበሉ፣ ኣብ ካርቱም ዝርከብ መኽዘን ኣጽዋር ዘጋጠሞ ባርዕ፣ ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ’ዩ ዝብል መግለጺታት ከምዝተዋህበሉ ይዝከር።

 

ይኹን’ምበር እስራኤል፣ ሓማስ ካብ ወሽመጥ ቓዛ ዝውንጭፎ ዘሎ ሮኬታት ብመንገዲ ሱዳን ዝመጹ’ዩ ዝብል ወቐሳታት ከተስምዕ ጸኒሓ’ያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኻርቲ ድማ፣ ካብ ሱዳን ልዕሊ 2 ሽሕ ኪሎሜተር ርሒቑ ንዝርከብ ጉጅለ ሓማስ ከተዕጥቕ፣ ምስቲ ኣብ ግብጽን እስራኤልን ዘሎ ጸጥታዊ ሓለዋታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝሕሰብ’ውን ኣይኮነን ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ’ዩ።

እስራኤል፣ ካብ 2009 ክሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፣ ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ሱዳን ብውሕዱ ክልተ ግዜ ደብዳብ ከምዘካየደት ወትሃደራውያን ጸብጻባት የመልክቱ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0