ሱዳን፣ ካብ ሊባኖስ ክብገስ ዝተሓሰበ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣወላፊ ከኒናታት ‘ካፕታጎን’ ተታሒዙ

Radio Erena: 21 October 2022

ናብ ሱዳን ዝቐንዐ፣ 165 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣወላፊ ከኒናታት ‘ካፕታጎን’ ኣብ ሊባኖስ ከምዝተታሕዘ መርበብ ሓበሬታ ዘ ናሽናል ገሊጹ።

እቲ ምንጪ፣ ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊባኖስ ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ እቲ ብዘለዎ ሓያል ናይ ምውላፍ ባህሪ ካብ ዕዳጋ ዝተኸልከለ ከኒናታት ካፕታጎን፣ ካብ ወደብ ቤሩት ናብ ሱዳን ኣብ ዝተበገሰት መርከብ፣ ምስ ናይ ህንጻ ናውቲ ተሓቢኡ ክሓልፍ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን’ዩ ተታሒዙ።

ብምስግጋር እቲ ኣወላፊ መድሃኒታት ዝተጠርጠረ ሶርያዊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ባሳም ምዋላዊ ሓቢሩ።

ናይ ድቃስ ምዝንባዕን ናይ ምትኳር ጸገምን ንዘለዎም ሕሙማን ክፍውስ ተባሂሉ ኣብ 1960ታት ዝተማህዘ ከኒና ካፕታጎን፣ ልዑል ናይ ወልፊ ጎናዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ ስለዝተረጋገጸ ኣብ 1980ታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከይኣቱ ተኸልኪሉ።

ብፍላይ ኣብ ሃገራት ዓረብ፣ ከም ናይ ወልፊ መዘናግዒ ብብዝሒ ከምዝዝውተር ዝንገረሉ ካፕታጎን፣ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ካብን ናብን ይሰጋገር ከምዘሎ ይግለጽ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0