ሱዳን፣ ኣንጻር ወተሃደራዊ ቆንስል ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ተጸዊዑ

Radio Erena: 26 May 2019

ኣብ ሱዳን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ወተሃደራዊ ቆንስል፣ ንገማል ኣል-ዲን ዑመር ኢብራሂም ከም ሓድሽ ኣባሉ ሸይሙዎ።

ዑመር ኢብራሂም ንሙስጣፋ መሓመድ ሙስጣፋ ተኪኡ’ዩ ናብ ወተሃደራዊ ቆንስል ተጸምቢሩ ዘሎ። ንሱ ብተወሳኺ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ብምዃን ብሓሙስ 23 ግንቦት ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ዝነበረ መሓመድ ሙስጣፋ ብምኽንያት ጉድለት ጥዕና ስርሑ ክቕጽል ኣይከኣለን ካብ ምባል ሓሊፉ፣ እቲ ቆንስል ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበሉን። እንተኾነ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ስርዓት ኣልበሽር ነበር ዝረኣይ ብዘሎ ምትፍናን ዘስዓቦ ከምዝኾነ ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታት’ታ ሃገር የመልክቱ።

ብኻልእ ወገን ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፣ ኣንጻር’ቲ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ምርካብ ኣብዩ ዘሎ ወተሃደራዊ ቆንስል ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንሰሉስ 28 ግንቦት ጸዊዑ ኣሎ።

ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ዝመርሐ እቲ ማሕበር ብዓርቢ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እዚ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ንክልተ መዓልታት ዝቕጽል ሃገር ለኸ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ቆንስል ሓላፍነቱ ከረክብ ሰናይ ፍቓድ ስለዘየርኣየ፣ ንኣልበሽር ዝዓለወ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ቆንስል እውን ስልጣኑ ንምሕዳግ ምሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎ ንምርኣይ ሙዃኑ ገሊጹ።

ወተሃደራዊ ቆንስል፣ እቲ ዝምስረት ሲቪላዊ ምምሕዳር ድልዱልን ውሕስነት ከምዘለዎን ክሳብ ዘረጋግጽ ስልጣን ኣብ ትሕቲኡ ክጸንሕ ክጠልብ እንከሎ፣ ማሕበር ሞያውያን ከኣ፣ እቲ ቆንስል ሓላፍነቱ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገር እዩ ዝጠልብ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0