ሱዳን፣ ኣብ 2024 ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካዪድ እያ

Radio Erena: 23 August 2021

ሱዳን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ዕድሜኡ ኣብ ዘብቅዓሉ፣ ኣብ 2024 ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካዪድ ከምዝኾነት፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ገለ ካብቶም መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቚሞም ዘለዉ ሰበስልጣናት፣ ድሮ ሓላፍነት ወሲዶም ኮሚሽን ምርጫን፣ ቅጥዕታትን ሕጋጋትን ምርጫ ንምምስራት ይዘራረቡ ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ብመሰረት ኣብ ጁባ ብኩሎም ወገናት ዝተፈረመ ቅዋማዊ ሕጋጋት፣ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ናጻ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ስልጣን ተዋሂቡዎ እዩ።
ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ነዚ ውሳኔ ብሓጎስ ምቕባለን ብምግላጽ፣ መምረጺ ነቑጣታት ኣብ ምምራጽን ምትካልን፣ ምምዝጋብ ኣድመጽቲን ካልእ ንምርጫ ኣብ ዘሳልጡ ጉዳያት ደገፍ ክገብራ ቅሩባት ምዃነን ሓቢረን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0