ሱዳን፣ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ሓደ ጀነራል ተቐቲሉ

Radio Erena: 13 January 2022

ኣብ ሱዳን ኣንጻር ‘ቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝቐጸለ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ተቓውሞ ንምብታን ካብ ዝወፈሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ ሓደ ዝኾነ፣ ብርጋዴር ጀነራል ዓሊ በሪማ ሓማድ ከምዝተቐትለ ተገሊጹ።

ፖሊስ ሱዳን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ጀነራል ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ምርግጋእ፣ ኣብ ወፍሪ እንከሎ፣ ብሓሙስ 13 ጥሪ ከምዝተቐትለ ተኣሚኑ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣኑ ንሲቪላዊ ወገን ከረክብ ዝጽውዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ዳግም ካብ ዝውላዕ ኣስታት ክልተ ወርሑ ኣቝጽሩ ኣሎ።

ዛጊት ኣስታት 63 ሰልፈኛታት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ነቲ ናዕቢ ንምብታን ካብ ዝወፈሩ ሓይልታት ጸጥታ ክቕተል ግና እዚ ጀነራል ናይ መጀመርያ’ዩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0